«ንጴጥሮስን»
ዝንበብ ክፍሊ: ማር. 16:7; ማቴ. 28:7
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ፍልልይ ኣይተውዒልናዮዶ? ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ድሕሪ ትንሳኤ ናይ ጎይታ ሓደ መልኣኽ ነትን ኣንስቲ ከይደን ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ክሕብርኦም ከም ዝነገረን ይሕብረና። ኣብ ወንጌል ማርቆስ ድማ እቲ መልኣኽ ብዛዕባ ትንሳኤ ናይ ጎይታ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን ክሕብሮኦም እዩ ነጊርወን። እዛ ሓንቲ ቃል «ንንጴጥሮስን» ትብል ክንደይ ተንካፊት ቃል እያ! ብዛዕባ ናይ ጎይታ የሱስ ትንሳኤ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ተመዝጊቡ ኣሎ። ወንጌል ማርቆስ ጥርይ እዩ ግን እዛ «ንጴጥሮስን» ትብል ቃል ተጠቂሙ። የሱስ ንዮሃንስ የፍቅሮ ከምዝነበረ ይነግረና፣ ግናኸ ስለምንታይ «ንዮሃንስን» ዘይበለ? ቶማስ ብዛዕባ ትንሳኤ ናይ የሱስ ብዙሕ ጥርጥር ከም ዝነበሮ ይነገርና ግናኸ እቲ መልኣኽ «ንቶማስን» ኣይበለን። እቲ መልኣኽ ብፍሉይ «ንጴጥሮስን» እዩ ኢሉ። ስለምንታይ ኮን ይኸውን?

ጴጥሮስ ከመይ ዝበለ ሰብ እዩ ኔሩ? ሰለስተ መዓልቲ ቅድሚ ትንሳኤ ጴጥሮስ ዓቢ ሓጥያት ጌሩ። እዚ ሓጥያት ንየሱስ ምኽሓድ ስለ ዝነበረ ድማ ኣዝዩ ዓቢ እዩ፣ ብየሱስ ኣብ ቅድሚ ኣቡኡን መልኣኽቱን ኣይፈልጠካን ከብሎ ዝኽእል ሓጥያት ድማ እዩ ኔሩ። ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ሰብኡት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዕቅቲ ዝንበረት ገረድ ወን እዩ ንየሱስ ክሒድዎ። ግናኸ የሱስ ብመልኣኹ ጌሩ «ንጴጥሮስን» ብምባል ብዛዕባ ትንሳኤኡ ንጴጥሮስ ከፍልጦ ደልዩ። እዛ «ንጴጥሮስን» ትብል ቃል ዓሚቅ ትርጉም እዩ ዘለዋ። በዚ ናይ ጴጥሮስ ዝሓለፉ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ክሓስቡ ይኽእሉ እዮም፡
«እዚ ኣነ ገረዮ ዘለኹ ዓቢ ሓጥያት እዩ። ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ጎይታ ክቀርብ እየ። ጎይታ የሱስ ድሮ ሓዲጉኒ እዩ። ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ፣ ምስኡ ከመላለስ ወይ ከምቲ ኣብ ከረን ታቦር ክብሩ ዝረኣኹ ኣብ ጌተ- ሰማኒ ውን ምስኡ ዝንበርኩ ሕጂ ግን ኣይክእልን እየ። ሂወተይ ምእንታኡ ክሳብ ሞት ኣሕሊፈ ክህብ ድልው ምኻነይ ነጊረዮ ኔረ። ክተሓዝ ከሎ ድማ ፍቅረይ ብትብዓተይ ክገልጸሉ ደልየ ብሴፍ እዝኒ ሰብ ቆሪጸ። ሕጂ ድማ እንሆ ወዲቀ! እሞ ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓበይትን ዘፍርሑን ሰባት ከይከውንሲ ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ገረድ! ንጎይታ ሰለስተ ግዜ ክሒደዮ። ሓደ እዋን ንሱ «ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ» ምኻኑ ተኣሚነ። ኣብ ካልእ ግዜ ድማ «ካባኻ እሞ ናባይ ክንከይደ ኢና፣ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ሂወት ኣለካ» ኢለዮ ኔረ። ግናኸ እነሆ ወዲቀ። በኽየን ተነሲሕን እካ እንተ ኮንኩ ግናኽ ጐይታ ከመይ ተቀቢልዎ ኣይፈጥን እየ። ከም ዝከሓድክዎ እንተ ዘይፈልጥ ከመይ ጽቡቅ ኔሩ። ግን ሳልሳይ ግዜ ምስ ከሓድኩ ናባይ ተጠውዩ ጠሚቱኒ እዩ። እንታይ ከም ዝገበርኩ ፈሊጡ እዩ። ከም ዘፍቅረኒ ይፈልጥ እየ ግናኸ ስለ ዝከሓድክዎ ከመይ ኢለ ደጊመ ናብኡ ክቀርብ። ግናኸ ገለ ኣንስቲ ካባና ካብ መቃብር ምስ ተመልሳ ብዛዕባ ትንሳኤ ናይ ጎይታ ኣበሲረናና ምስኡ ድማ ሽመይ ጠቂሰን ነዓይ ወን ክነግራኒ ከምዘለወን እቲ መልኣኽ ከም ዝሓበረን ነጊረናና። እዋይ፣ ጎይታ ኣይገደፈንን ማለት እዩ! ወላ 3ተ ግዜ ክሒደዮሲ ኣይጸልኣንን ወላ ምሳይ ኣይኮረየን ኣሎ ማለት እዩ። ብዛዕባይ ይሓስብ ኔሩ ማለት እዩ ምኽንያቱ ካልእ ሰብ ብስም ኣይጸወዐን። እዛ «ንጴጥሮስን» ትብል ቃል ክንደይ ትጥዕም እያ፡ ክንደይ ከ ደስ ተብል ዜና እያ! እቲ መልእኽቲ ንደቂ መዛሙርቲ ዝብል ጥራይ እንተ ዝኸወን ኔሩ፣ ኣነ ወደ መዝሙር ክበሃል ብቁዕ ኣይኮንኩን ኢለ ክርእዮ ኣይምኸድኩን ኔረ። ሕጂ ግና ስመይ ጸዊዑ እዩ እሞ ጌና ከም ዝደልየኒ ፈሊጠ ኣለኹ። ብስመይ ጸዊዑኒ እዩ እሞ፣ ምስ ኩሉ ድኻመይ እኮ ክኸይድ ዓቅሚ ረኺበ ኣለኹ። »
ኣብዚ ዝወደቀ፣ ሓጥያተኛ ንየሱስ ድማ ዝኸሓደ ጴጥሮስ ንሪኢ ኣለና። ጎይታ የሱስ ግና ብፍሉይ ስሙ ክጽውዖ ከሎ ድማ ንርኢ። ወንጌል ከምዚ እዩ! ወላካ ንስኻ ተስፋ እንተ ቆረጽካ፣ ጎይታ ግና ብኣኻ ተስፋ ኣይቆርጽን እዩ። ሓጥያተኛ ሰብ ናብ ጎይታ ክምለስ የሕፍሮ ይኸወን ጎይታ ግና ናባይ ክትምለስ ወላ ሓደ ዘሕፍር የብልካን እዩ ዝብል። ስለምንታይ ብዛዕባ ወድቀትካ ጥራይ ትሓስብ ንሱ ብዛዕባ ወድቀትካ ዘይሓስብ ከሎ። ጴጥሮስ ኩሉ እቲ ምስ ጎይታ ከሎ ዝገብሮ ዝነበረ ኣንዳ ዘከረ፣ ደጊሙ ክምለስ ይፈርሕ ኔሩ ይኸወን። ጎይታ «ንሓንቲ ሰዓት ዶ ክትነቅሑ ኣይትኽእሉን» ክብሎም ከሎ ይዝኽር ይኸወን። ተወሳኺወን «ኣብ ፈተና ከይትኣትው ንቅሑን ጸልዩን» ዝብል ትምህርቲ ናይ የሱስ ይዝክር ይኸወን። ጴጥሮስ ግና ከምዚ ኹሉ ኣይገበረን። ግናኸ ንጎይታ ክርኢ ከይዱ፣ እታ «ንጴጥሮስን» ትብል ቃል ናይ ጎይታ ሓይሊ ሂባቶ።
ካብቶም ኣርባዕተ ወንጌላውያን፣ ማርቆስ ጥርይ እዩ ነዛ ቃል ጠቂስዋ ዘሎ። ማርቆስ ሰዓብን ተመሃራይን ናይ ጴጥሮስ እዩ ኔሩ። ወንጌል ማርቆስ ትረኻ ናይ ጴጥሮስ ኮይኑ ብማርቆስ ግና ተጻሒፉ። እዘን ቃላት «ንደቀ መዛሙርትን ንጴጥሮስን» ዝብላ ብጴጥሮስ እየን ተተሪኸን። እዘን ቃላት ንኻልእ ሰብ ትርጉም ዘይብለን ክኾና ይኽእላ እየን ንጴጥሮስ ግና ኣዝየን ኣገደስትን ዘይርስዓን ቃላት እየን። ነፍሲ ወከፍ ተዘክሮ ናይዝን ቃላት ንጴጥሮስ ኣዝዩ ምቁር እዩ። ናይ ጸጋ ቃላት ኩሉ ግዜ ነቲ ተቀባሊ ጸጋ ኣይርሳዕን እዩ።
ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ናብ ጎይታ ክትመጺ ከለኹም ኣብ ልብኹም ፍርሒ ዶ ኣለኩም? ገለ ሓጥያት ካብ ኣምላኽ ዝፈልየካ ዶ ይህሉ። ብሓጥያትካ ኣምሪርካ በኺኻ፣ ተነሲሕካን ተኣሚንካን ክትክወን ትኽእይል ኢኻ። ግናኸ ናብ ኣምላኽ ክትመጽእ ትብዓት ኣለካ ዶ? ስለ ዘፍቀረካ ምእንታኻ ኣብ መስቀል ክመውት ፍቃደኛ ኔሩ። ሕጂ ስለ ዝደኸምካ፣ ስለ ዝወደቅካ ንዓኻ ምፍቃር ዘቓርጾ ዶ ይመስለካ። እቲ ኣብ መስቅል ዘፍቀረካ ፍቅሪ ይንኪ ዶ ይኽወን? ነዓኻ ንጎይታ ዘይምፍቃር ቀሊል ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንየሱስ ግና ነዓኻ ክርስዓካ፣ ክገድፈካ ወይ ክጸልኣካ ፈጺሙ ኣይኮነሉን እዩ።
ኣብተን ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ስቅለት፣ የሱስ ንጴጥሮስ ኣይረስዖን። ስለዚ ዋላካ ናብ ኣምላኽ ክትመጽእ ሓይሊ እንተ ሰኣንካ፣ ብቃሉ ክትኣምን ፍቃድ እንተ ኣለካ ናብኡ ክትመጽእ ሓይሊ ክህበካ እዩ። እንተ ወዲቅካ ከተስኣካ እዩ። ናብ ጎይታ ክትቀርብ ኣብ ዝኸብደካ ግዜ ፣ «ንጴጥሮስን» ትብል ቃል ዘክር። ንስኻወን ከም ጴጥሮስ ዝወደቅካ ትኸወን ግናኽ እዛ «ንጴጥሮስን» ትብል «ንዓኻ» ውን እያ። ልቢ ጎይታ እንተ ትሪኦ፣ ናብኡ ገጽካ ምጎየኻ ኔርካ።
ካብ ጽሑፋት Watchman Nee ተተርጎመ